ምግሳስ : ፈተነ ምግሳስ : ጾታዊ ዓመጽ

ጾታዊ ግፍዒ

አብ ልዕሊ ደቅንስትዮ ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ግፍዕታት ኢዩ ዘሎ:: እቲ ሳዕቤኑ ድማ አብ ነፍስ ወከፍ ጓለንስተይቲ ዝተፈላለየ ኢዩ:: ጾታዊ ግፍዒ እንታይ ሳዕቤን ከምዘምጽእ ንሕና ብልክዕ ንፈልጥ::

አገልግሎትና

ጾታዊ ግፋዒ አጓኒፉክን እንተኾይኑ: ካብ ትካልና ብኽኢላታት ሞያውያን አማኸርቲ: ተአማንነት ዘለዎ (ብምስጢር ዝትሓዝ) ምኽርን ሓገዝን ብዘይ ክፍሊት ክትረኽባ ትኽእላ:: እቲ ግፍዒ አብ ቀረባ ግዚ ይኹን ወይ ጸኒሑ ዘጓነፈ ይኹን ከምኡውን ከሲስክን ዲኽን አይከሰስክንን ብዘየገድስ: ምኽሪ ክትረኽባ ትኽእላ::ትካልና ንኽልተ ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ካንቶን ዙሪክ ኢዩ ዝጥርንፍ:: አብ ገዛ ንዘጓንፍ ግፍዒ: ብመሰረት ሕጊ ምክልኻል ዓመጽ: ሞያዊ ምኽሪ ይህብ:: ንቤተሰብን ንክእሊአታት ሰብ ሞያን ምኽርን ሓበሬታን ንህብ::

ንህቦ አገልግሎታት᎙

  • ስነ አእምራዊ ምኽሪ
  • ዓመጽ አብ ዘስዓቦ ቅልውላው ግዜ ሓገዝ ንህብ
  • .ሕጋዊ ምኽሪ
  • ክሲ አብ ዝካየደሉ እዋን መሰነይታ ንገብር
  • ብመሰረት ሕጊ ሓገዝ ንግደያት: ብዛዕባ መሰል ሓበሬታ ንህብ
  • .ምስ ካልኦት ክኢላታት/ትካላት ምርኻብ/ምስግጋር (ጠበቓታት: ናይ ስነ አእምሮ ሓኪም: ወዘተ)
  • (ጠበቓታት: ናይ ስነ አእምሮ ሓኪም: ወዘተ)

እቲ ዘረባ/ምኽሪ አቐዲሙ ብተሌፎን ብዝተታሕዘ ቆጸራ አብ ትካልና ይካየድ:: ትካልና ብማሕበራዊ ሓገዝ (ምወላ) ዝካየድ ክይኑ: ፍሉጥን ቁቡልን ናይ ካንቶን ዙሪክ ትካል አማኸርቲ ግደያት ዓመጽ ኢዩ::